fre. jul 11th, 2025

መዓስን ኣበይን ክትመርፅ ትኽእል?
ካብ 1 ሓምለ 2025 ጀሚርኩም ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። መታወቅያኹም ሒዝኩም ምምፃእ ኣይትረስዑ።
ኣቐዲምካ ድምፂ ምሃብ
ካብ 1 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ፡ ኣብቲ ስሩዕ ኣቐዲምካ ድምጺ ምሃብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ከባቢ ምምሕዳር ኣቐዲምካ
ክትመርፅ ትኽእል ኢኻ። ንዝያዳ ሓበሬታ ካብ እትደልዩዎ ከባቢ ምምሕዳር ተወከሱ። ኣብ ዝኾነ ከባቢ ምምሕዳር ካብ 11 ነሓሰ ክሳብ 5 መስከረም ኣቐዲምኩም ክትድምፁ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ መዓልቲ መረፃ ምድማፅ
መዓልቲ መረፃ 8 መስከረም እዩ። ኣብ መብዛሕቲአን ከባብያዊ ምምሕዳራት እውን ኣብ 7 መስከረም ድምፂ ምሃብ
ይከኣል እዩ። ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን፡ ኣብቲ ብዕለት 30 ሰነ 2025 ከም ነባሪ ተመዝጊብክምሉ ዝፀናሕኹም ከባቢ
ምምሕዳር ክትመርፁ ኣለኩም። ኣብ መዓልቲ መረፃ ኣብ ዝኾነ ኣብ ከባብያዊ ምምሕዳርኻ ዝርከብ ናቑጣ መድመፂ
ክትመርፁ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ መረፃ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ኣድራሻታትን ናይ ስራሕ ሰዓታትን ናይ ኩለን ናቑጣታት መረፃ እታ ሃገር ኣብ valglokaler.no ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ስቫልባርድን ያን ማየንን ዝትነብሩ/ዝትርከቡ
ካብ 1 ሓምለ ክሳብ 29 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ስቫልባርድን ያን ማየንን ዝትነብሩ/ዝትርከቡ ኣቐዲምኩም ክትመርፁ
ትኽእሉ ኢኹም።
ካብ ወፃኢ ሃገራት ኮይንኻ ምድማፅ
ካብ 1 ሓምለ ክሳብ 29 ነሓሰ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝትነብሩ ወይ ዝፀንሑ መረፅቲ ኣቐዲሞም ኣብ ኤምባሲታት
ኖርወይን ካልኦት ናይ ወፃኢ ተልእኾታትን ወይ ኣብ ካልኦት ዝተመዘዙ ተቐበልቲ ድምፂ ድምፆም ክህቡ ይኽእሉ።
ዕለት መረፃ ምስ ዝቐርብ ፡ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከባ ናቑጣታት መረፃ ኣብ valglokaler.no ክትረኽቡ ትኽእሉ
ኢኹም። ኣብ ወፃኢ ሃገራት ናብ ሓደ ናቑጣ መረፃ ክበፅሑ ዘይክእሉ መረፅቲ ብፖስታ ድምፅኹም/ክትህቡ ክትልእኹ
ትኽእሉ። መረፅቲ ብፖስታ ድምፂ ክህቡ ከለዉ፡ ድምፆም ክሳብ ሰዓት 17፡00 ንዕለት 9 መስከረም ክርከብ/ክበፅሕ
ኣለዎ።
ካብ ገዛ ወይ ኣብ ትካል ድምፂ ምሃብ
ዝሓመሙ ወይ ናይ ኣካል ስንኩላን ዝኾኑ መረፅቲ ኣብ ገዝኦም ወይ ኣብ ዝሓድሩሉ ቦታ ድምፆም ክህቡ ከመልክቱ
ይኽእሉ። ነዚ ዝምልከት መመልከቲ ክሳብ ሓሙስ 4 መስከረም ሰዓት 12፡00 ናብቲ ከባብያዊ ምምሕዳር ክበፅሕ
ኣለዎ። ኣብ ትካላት ጥዕናን ክንክንን ዝርከቡ ነበርትን ሕሙማትን፡ ወይ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት፡ ኣብኡ
ኣቐዲሞም ድምፆም ክህቡ ይኽእሉ።