lør. nov 22nd, 2025

ስታቲስቲክስ ቢሮ ኖርወይ ዘውጽዎ ፀብፃብ ከምዘመልክቶ መስከረም 2025 ኣብ ዝተገበረ መረፃ ባይቶ፡ ተወከልቲ ኖርዌይ ዝተሳተፋ ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ቁጽሪ ወሲሕሎ። ብኣሓዝ ክቅመጥ እንተሎ –

ጠቕላላ ተሳትፎ ህዝቢ ኖርወይ ካብ 77.2 % (2021) ናብ 80 % (2025) ዓብዩሎ

ተሳትፎ ድህረ ባይታ ስደተኛታት ዘሎዎም ዜጋታት ፡ ካብ 50.3 % ናብ 56 % ወሲሕሎ

ወለዶም ስደተኛታት ዝሆኑ ኣብ ኖርዌይ ዝተወለዳ ዜጋታት ተሳትፎ ካብ 51.5 % ናብ 59.9 % ወሲሕሎ

ተሳትፎ ድሕረ ባይታ ስደተኛታት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ 51.9 % ናብ 58.3 % ወሲሕሎ

ተሳትፎ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ፡ ካብ 48.5 % ናብ 53.5 % ወሲሕሎ