tir. jun 24th, 2025

https://www.valg.no/for-velgere/stortingsvalget-2025/stemmerett-og-manntall/

መስከረም 2025 ኣብ ኖርወይ ኣብ ዝግበር ብሄራዊ መረፃ ድምፂ ንምሃብ ኣብ መዝገብ መረፃ ምምሕዳር ከተማ ምምዝጋብ ኣገዳሲ እዩ

ኣብ መረፃ ዝሳተፍ ሰብ
• ናይ ኖርወይ ዜጋ
• ዕድመኡ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ
• ኣብ ሃገራዊ መዝገብ ብዝሒ ህዝቢ ኖርወይ፥ ኣብ ኖርወይ ከም ነባራይ ዝተመዝገበ ክኸውን ኣለዎ።

ናይ ኖርወይ ዲፕሎማሰኛታት ወይ ኮንስለር ሰራሕተኛታት ኣባላትን ስድራ ቤቶምን ዋላ ‘ውን ኩለን እተን መለክዒታት ዘየማልኡ እንተዀኑ ናይ ምምራፅ መሰል ኣለዎም።

መዝገብ መረፃ እንታይ እዩ?

– መዝገብ መረፃ ማለት ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝነብሩ ናይ ድምፂ ምሃብ መሰል ዘልዎም ሰባት ሽም ዝሓዘ መዝገብ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ዝነብረሉ ከተማ ቅድሚ ሰነ 30, 2025 ከም ነባራይ ተመዝቡ ዝነብር እንተኾይኑ፥ ኣብታ ከተማ መዝገብ መረፃ ‘ውን ምዝገብ ስለዝኸውን፥ ኣብ 2025 ዝግበር መረፃ ክሳተፍ ይኽእል እዩ።
ድሕሪ ሰነ 30, 2025 ዝነብረሉ ከተማ ዝቀየረ ቀደም ኣብ ዝነብረሉ ዝፀንሐ ከተማ እዩ ከይዱ ድምፂ ምሃብ ዝኽእል።

ሓድሽ ዜጋ ኖርወይ?

ኣብ ሃገራዊ መዝገብ ብዝሒ ህዝቢ ተመዝግቡ ኣብ ዝነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ድምፅ ንምሃብ መሰል ኣለዎም።

ኣብ ወፃኢ ዓዲ ንዝነብር ዜጋ

ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብር ኖርወይጅያን ቅድሚ ምውፃኡ ተመዝጊቡ ይነብረሉ ኣብ ዝነብረ ከተማ ተመዝጊቡ ድምፅ ክህብ ይኽእል እዩ።

ኣብ መዝገብ መረፃ ምምዝገበይ ብኸመይ የረጋግፅ?

ኩለን ምምሕዳራት ኖርወይ መዝገብ መረፃ ንህዝቢ ክፉት ክገብራ ይግደዳ እየን። በዚ መሰረት ብጌጋ ኣብ መዝገብ መረፃ ዘይተምዝገበ እንተሎ እቱ ጌጋ ክእረም ብፅሑፍ ንወኪል መረፃ ቦርድ ክሓትት ይኽእል።

አብ መረፃ ብምስታፍ ድምፂ ንምሂብ ተዳለው!!! ንተወሲኺ ወይ ዝበለፀ ሓበሬታ፥ ሰሙናዊ ሰሉስ ካብ ስዓት 16፡00 ጀሚሩ ዝፍኖ ናይ ሬድዮ መደብና ምክትታል ትኽእሉ እኹም።