lør. nov 22nd, 2025

እዚ ፕሮጀክት ብ 2012 ዓ።ም ዝተጠንሰሰ ኮይኑ ኣብ 2016 ድማ ተጀሚሩ። እቱ ትልም ብ 2021 ክዛዘም እንተኾነ እንኩኣ ክሳብ ሐዚ ስለዘይወደኣ ኣብ ፈለማ ተታሒዙ ዝነበረ 590 ሚልዮን ክሮነር በጀት ናብ 800 ሚልዮን ክሮነር ከምዝበፀኸ ዕላዊ ኮይኑሎ።

እተን ምኽንያታት ድማ ናይ ኮሮናቫይረስ ምምጻን ዘይተጸየ ናይ ዋጋ ወሰኽ ምኻኖም ብምሕባር እቱ ፕሮጀክት ኣብ ዝተሓዘሉ ጊዜ ከይውድኣ ናይ ባዕሎም ጽልዋ ከም ዝገበረን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ጉዳያት ምምሕዳር ከባቢን ገልፃላ።

እቲ 800 ሚልዮን ዝበጸኸ በጀት ኣብ 2022 መወዳእታ ፓርላመንት ኖርዋይ ተቀብሉ ከምዘጽደቆን እቱ ፕሮጀክት ንምውድኣ እውን ካብዚ ንላዕሊ ከምዘይከይድ ተገሊጹሎ።

ምንጪ:- https://borsen.dagbladet.no/nyheter/budsjettsprekk-pa-210-millioner/80353705