ዝሓለፉ መዓልታት ብበረድ ምክንያት ብፍላይ ድማ ናይ መካይኖም ጎማታት ዘይቀየሩ ሰባት ብዙሕ ናይ ትራፊክ ሓደጋታትን ጸገማትን ኣጋጢሞም ነይሩ። ተመሳሳሊ ሁነታ ኣብ ዝመፅ ቀዳምን ሰንበትን ከጋጥም ከምዝኽእል ድማ ፖሊስ ኣጠንቅቁ። ብሓጺሩ: ናይ ቀዳምን ሰንበትን ኣየር ሑኔታ ቁርን፣ ርጥብን ዘንሸራተትን ክኸውን እዩ።
ሓያል ዝናብ ከምዝዘነብን መንገድታት ድማ ዘንሸራትቱ ስለዝኾኑ መኪና ትዝውሩ ሰባት ርሕቀትኩም ሓልውኩም ብጥንቃቀ ምዝዋር ከምዝግባ እውን ተገሊጹሎ ። ።
ኣብ መካይንኩም ድማ እውን ምግቢ ክህልወኩም ይምከር።
ምንጪ:- https://www.vg.no/nyheter/innenriks/i/nQey7x/advarer-om-vanskelige-kjoereforhold-i-helgen
