ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብናይ ክልተ ዓመት ፅንተታዊ ኲናት ህይወቶም ዝሰኣኑ ተጋደልቲ ንምኽባር ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ሓዘን ግዜ ብምዕዋጅ ምስ ህዝብ ትግራይ ስውዓቱ ኣብ ምዝኻር ይርከብ።
እቲ ናይ ሓዘን ግዜ 02 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ግ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ፅባህ 04 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ግ ክዛዘም እዩ።
እቱ ኣዋጅ ኣመልኪቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣቢሉ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መልዕክቲ ኣመሓላሊፉሎ።
መልዕክቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣት
ክብራትን ክቡራንን
ቅንያቱ ከም ህዝብን ከም መንግስትን ብዝተሰበረ ልቢ፣ ብዝሰመረ ቀልቢ ብሄራዊ መርድእ ስውኣትና ንሰምዓሉን እነስማዓሉን ከቢድ ቅንያት ኮይኑ ኣሎ። ካብ ህላወኦም፣ ህላወ ህዝቦምን ዓዶምን ኣብሊፆም፣ትንፋሶም ወፍዮም፣ ትንፋስ ንዝሰኹዑልና ተበዓት፣ኣርካናት ፅንዓት ስውኣትና ፍትዋቱ ከም ዝቐበረ መሪር ሓዘን ሓዚንና ከም ዓሌት ጀጋኑ ድማ ተሓቢንና ኮሪዕና ብልዑል ፅምብል፣ መስዋእቶም ክንዝክር ዛንትኦም ክነኽብር ተዳሊና ኣለና።
ከምዝፍለጥ ኣያታትናን ኣዴታትናን ቅድሚ 30 ዓመት ብደምን ኣዕፅምትን ዝነደቕዎ ሓወልቲ ናፅነት፣ ምስ ሙሉእ መሰሉን ክብሩን ኣረኪቦምና እዮም። ንሶም ናፅነት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ትሕቲ ማንም ከይንወርድ፣ ኣብ እንግድዓ ማንም ከይንስቀል እውን ግቡእና ነጊሮምና እዮም። ኣባና ክበፅሕ ዘይንምነዩ፣ ኣብ ካሊእ ክበፅሕ ንፃት እውን ከይትምነዩ፣ እዚ ፅኑዕ መትከል ናይ ሎሚኣብ ፣ናይ ፅባሕ፣ ናይ ዘልኣለም ቃል ኪዳንኩም ይኹን ብምባል ኣብዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሓወልቲ ብእምነበረድ ፅሒፎም ገዲፎምልና እዮም። ኣብ አንቀፃት ሕገ መንግስቲ ድማ ዝተዛብዐን ሓላፍ ዘላፍ ህዝብታትን፣ብምውጋድ ብሓዱሽ ምዕራፍ ክንምርሽ ፅሒፎም ገዲፎምልና እዮም።
መትከልና፣ ናፅነትናን ባህግናን ምእዋጅ ጥራሕ ግን እኹል ኣይነበረን፣ ኣብ ዋሕዚ ታሪኽ ናብራ ማዕርነታዊ ሓድነት መሪፅና፣ ኣብ ናይ ወፅዓን ባርነትን መሰረት ተሃኒፃ ኣብ ዝነበረት ሃገር፣ በዚ መዳይ እንተመስለልና ንፈትን ብዝብል ‘ውን ኣቲና። ኣሳጉማኻ እንተደልዲሉ፣ ኣግፊሕኻ ምሕሳብ ፍፁም ዘናስሕ ኣይነበረን ኣይኮነን። ሓዱሽ ፀሓይ ታሪኽ ብመስዋእትነት ኣያታትና ምስኣብረቕና፣ ብቓልሲ ብዘግሃድናዮም ፋና ናፅነት ሕልፊ ተረባሕቲ ክንከውን እንተይሓለምና፣ የግዳስ ሕልፊ ሸቂልና ነገራት ክነቃንዕ ዕፅፊ ተሰዊእና። ማዕርነትን ሓድነትን ኣቐዲምና፣ ብዙይን በቱይን ውልዕ ጥፍእ ንዝብላ ማስቃ ዘረባታትን እኩይ ተግባራትን ልቢ ኣዕቢና ተፃዊርና ነዊሕ ተጓዒዝና። እንተስ ልቢ ክነዕቢ ኢልና ፣እንተስ ክንቃለስ እናተገብኣና ሸለል ኢልናየን፣ እተን ማስቃ ዘረባታት፣ ዘረባታት ኮይነን ኣይተረፋን።
ኣብ መወደእታ ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ እናተዋህለለ ዝመፅአ ማዕበል ጥፍኣት ኣብ ልዕሌና ወዲቑ። ተገሪህና ዶ? ተጋጊና ብዘየገድስ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝገጠመና መከራ ኣዚዩ ሕሱም እዩ። ገጢሙና ዝነበረን ዘሎን ግጥም፣ ማዕርነትን ክብሪን ሰብ ኣብ ሞንጎ ዝኣምንን ንዕኡ ብዘይቕበሉን ሓይልታትን ዝተገበረ ግጥም እዩ። ገጢሙና ዝነበረን ዘሎን ግጥም ኣብ ሞንጎ ባዕላይ ንባዕላይ ከማሓድር፣ ክብረይን ዋኒነይን ንባዕለይ ግደፉለይ ዝብልን፣ ንሕና ዝበልናዮ እንተዘይኮይኑ፣ ህዘቢ ይብረስ ኢሎም ዝህንደዱ ሓይልታትን እዩ። ገጢሙና ዝነበረን ዘሎ ግጥም ኣብ ሞንጎ ሰዓራይነት ህዝቢ ዝኣምንን፣ህዝቢ ክሳዓርን ክፀንትን ኣለዎ ዝብሉ ሓይልታትን ዝተገበረ ግጥም እዩ። እቲ ግጥም ኣብ ሞንጎ ንቕድሚት ክግስግስ ዝደልን፤ የለን ኣብ ትሕቲ ባርነት እውን ብሰላም ኣይነንብረካን ዝብሉ ኣጓብዝ ኣድሪን ዝተገበረ ግጥም እዩ። ብሓፂሩ ቅድሚ ሕዚ ንብርሰትና ሃሪፎም፣ ኣንቅዶኦም ዘይተሳኸዐሎም ተፈጥራዊ ፀላእትና፤ ጌጋታቶም ኣሪሞም ዝወፈሩሉ ክስተት እዩ ገጢሙና። ብዙሕ ዘመን ሕሰም ኣሕሊፍና ኢና።
ናይ ሎሚ ፀላእቲ ግን ብዓይነትን መጠንን ብዙሓት እዮም። ብተፈጥሮ ዘይሳነዩ ሓይልታት ትግራዋይ ንምብራስ ምእንቲ ክሰልጦም ኣፈላላያቶም ኣወንዚፎም ብልፍንቲ ዝመፅኡሉ ኩነታት እዩ ገጢሙና። ገጢሙና ዝነበረን ዘሎን ሕሰም ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ንዝርከብ ካልእ ህዝቢ እንተዝገጥሞ ምተፃወሮ ዶ ኢልካ እንትዝሕተት ነብስኻ ዘዕገብ መልሲ ኣይምተረኸበን። ብዝኾነ ኣብ ደንበ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንሕስያ ቦታ ስኢናስ ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ክበፅሕ ዘይግመት ቃንዛን ዘይሃስስ በሰላን ወሪዱና።
ኣዴታት፣ ኣቦታት፣ መናእሰይ፣ ጎራዙ ዓብይ ምሰ ህፃን ዕሸላት ተመንዚዕና፤ ታሪኽናን ቅርስናን በሪሱ፤ ንዘመናት ዘጥረናዮ ሃፍተ ገነትናን መሰረተ ልምዓትናን ፈረሱ፤ ሃይማኖታትናን ዘይድፈሩ ፅላታትናን ተራኺሶም፤ ንዘመናት ዘይሕከኽ ኣካላውን ሰነ ልቦናውን በሰላ ተሸኪምና።
ሕዚ ኣነ ኣብ ቅድሚ ሰቐልኡን ገበልኡን፣ኣርዑተ ነዊቱን ብእከያት ናብ ሓሙኹሽቲ ዝተቐየረ፤ እኽሉን ግራቱን በኣልማሚት ዝበረሰ ብሓዊ ዝነደደ ሓረስታይ ደው ኢለ፤
ኣብ ቅድሚ እታ ዘይመሰል መሲላ ዘዐበየቶም ደቃ ኣብ ቅድሚ ዓይና ዝተረሸንዋ ወላዲት ኣደ ትግራይ ደው ኢለ፤
ኣብ ቅድሚ እቲ ዓይነ ብርካ ዝሰኣነት መለይ ጓል ትግራይ ደው ኢለ፤
ኣብ ቅድሚ እቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝኾነ ውፃእ ማዓት ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ደው ኢለ፤
ፅንዓት ይሃብኩም ክብል ይኸብደኒ እዩ!
ብፍላይ ንክብራት ኣዴታትን ኣቢታትን ብድውልኩም እናሃለኹም ሕልፈት መላምል ደቅኹም ምንጋር ካብ እምኒ ይኸብዱ። ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኣብዚ ቦታ ክፀንሕ ካብ ገበረኒ ግን፣ ዋላ እናመረረኒ ንህዝበይ ፅንዓት ይሃብካ ክብል ግድን ኮይኑ ኣሎ። ከም ድሌት ፀላእትና እማ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ገፅ መሬትን፣ ካብ ሕልና ሰብን ካብ ታሪኽን ክንሕከኽ እምበር፣ ገሌና ተሪፍና ፅንዓት ይሃብኩም እንብሃለሉ ክኸውን ኣይደለዩን ኔይሮም።
ብዝኾነ ንህልውና ዝገበርናዮ ቓልሲ ስለዝበርትዐ፣ ሳላ ክቡር መሰዋእትነት መላምል ደቅናን የሕዋትናን፣ተጋሩ ሕዚ እውን ንቐፃሊ እውን ኣብዛ ዓለም ሓደ ቦታ ሒዝና ክንነብር ኢና። እዙይ ሓደ ምዕራፍ ታሪኽና እዩ።
ክብራትን ክብራንን
ዝተኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ዓለም ኣብ ርእሴና ዝተፈፀመ ስነ አእምራውን ኣካላውን መከራ ሓደ ማዓልቲ ክትዝክሮን ክትብይኖን ትኸውን። ንሕና ግን ንዝንተዕለት ኣይንርስዖን። ኣብዚ መሪር ግዜ መተካእታ ዘይብላ ህይወት ከፊልኩም ትንፋስ ትግራይ ክትቕፅል ዝገበርኩም ስውኣትን ጉዱኣትን ብሓፈሻ፣ፍልፍል ህላወ ትግራይ ስለዝኾንኩም ብኣኹም ንሕበን።
ዝተኸበረካ ህዝቢ ትግራይ
መስዋእቲ ደቅና ክነርድእን ጀጋኑና ክንዝክሮምን ጥራሕ ኣይኮናን እዚ መርሃ ግብሪ እዚ ተዳልዩ። ምእንተ እንታይ ከምዝሓለፉን ኣብ ብራና ታሪኽ እንታይ ዘላቒ ፋይዳ ንወለዶ ከምዝተረፍን ክዝንተወሎም እዩ። ህላወና ካብ ዝተሰውኡሎም ክብርታትን መትከላትን እዩ ዝምንጩ። ኩላህና ክንህሉን ክርህወናን እዮም በጃ ኮይኖምልና። ካብ ወለዶም ድኣ ይወለዱ እምበር ደቅና፣ኣሓትና ኣሕዋትናን ሓፍትኖታትናን ኣኮታትናን መታዓብይትናን ጎረባብትናን ልዕሊ ኹሉ ግን መቓልስትናን ወገን ኩላህትናን እዩም።
መርድኦም ሓዘን ቤትና እዩ! ፀላእትና ከም ህወሓት፣ውናት፣ከም ባይቶና ከም ምዕራብ፣ከምደቡብ፣ከም ምብራቕ፣ከም ማእኸል ኣይቐተሉናን። ከም ተጋሩ እዮም ቀቲሎምና። ንሕና እውን ጀም ተጋሩ መኪትና፣ ከም ተጋሩ ተሰዊእና።
ኣብ መወዳእታ ወለድና «ክፍእቲ ዘበንስያ ካብ ትብድለካ ተምህረካ » ዝብልዋ ቁም ነገር ዓትዒትና ክንሕዝ ግድን እዩ። በቲ ዝገበርናዮ መኸተ ህልውና ካብ ዝቐበርናዮም እከይ ተግባራትን ኣተሓሳስባታትን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብ ዝተቓለስናሎም መትከላት ናፅነት፣ክብሪ ወዲሰብን ዝያዳ ንሓዋሩ ክንማሃር ይግባእ። ንሕና ዝመከትናዮ ሕሉፍ ናፅነትናን ክብርናን ንምዕቃብ እዩ። ንሕና ዝተዋደቕናዮ መፃኢና ሎሚ ክነብርቕ ብምድላይ እዩ። ኣብዚ ዓለም ሕዚ ሰላም፣ ዕብየትን ሓድነትን ከምዝጠቅምን መማረፂ ከምዘይብሉን ከማና ብተመክሮ ዝፈልጦ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ሕዚ ብመጠን እቲ ዝኸፈልናዮ ክቡር መስዋእትነት ምእንቲ ህላወና ኢልና ንሰጣጠም።
ናይ ፀላእትና ሽርሒን ጭካነን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕና ባዕልና፣ ንዓይ ሓዊስካ ከም መራሕቲ እንታይ ስለዝገበርና ወይ ስለዘይገበርና ሰለምንታይ እቲ ዝገጠመና ኹሉ ገጢሙና ኢልና ክንሓትት ፣ክንንሳህ እዚ ዝገጠመና ዓይነት ዓፀቦን ሕሱም መከራን መስዋእትነት ክንዲ ዝተኸኣለ ከይድገም ኢልና ውሽጥና ክንፍትሽ ንህዝብና ቃል ከንኣቱ ግድን እዩ።
ኣደ ትግራይ፣ኣቦ ትግራይ፣ኣሓትን ኣሕዋትን
ጀጋኑና ወዶም ጓሎም መስዋእቲ ከም ሕብሽቲ ተማቒሎም ንህላወና ክቡር ዋጋ ኸፊሎም እዮም።
ኣብዚ ቅንያት መርድእ መንኩብ ንመንኩብ ተሓቜቒፍና ብሓባር ነቢዕና ብሓባር ንትብዕ። ዓስቦም ህላወና፣ከስቦም ሕውየትና እዩሞ ዝተሰውኡሉ ዕላማ መሊኡ ክሳብ ዝዕወት ቃልስና ነሓይል።
ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ቃልስን መሰዋእትነትን ግን ድማ ታሪኽ ዓወት ምዃኑ ብጭርሖ ዘይኮነስ ብተግባር ነመስክር። ኩልኻ ብዓል ታሪኽ ተቓላሳይ ህዝብና ንዝሓለፉ ፅንዓት ይሃብኩም፣ ንመፃኢ ይዕቀብኩም ክብል ይደሊ።
ዘልኣላማዊ ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታት
