ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ተካየድ ናይ ምድራዊ ወታሃደራዊ ፅጉምቲ ህይወት ብዙሓት ሰባት ከምዘጥፍእ ኣጠንቂቁ ። ከቢድ ክሳራ ሲቪላት ከብፅሕ ስለዝኽእል እቲ ምፍሳስ ደም ደው ንምባል ክስራሕ ኣለዎ ይብል ብመሰረት ሮይተርስ።
ፑቲን ብተወሳኺ እቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ከምዘለዎ ብምሕባር ሩስያ እስራኤልን ፍልስጤምን ንምሽምጋል ድልውቲ ምዃና ይገልጽ።
ፑቲን ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ «ወተሃደራዊ ወረራ ወናናይ ከምዝሆነ ኣብ ዝሓለፈ 19 ኣዋርሕ፡ዓሰርተታት ኣሽሓት ወታደራት ሲቪላትን ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ይግመት።
