lør. nov 22nd, 2025

እስራኤል ካብ ዘስካሕክሕ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንባዕላ ክትከላኸል መሰል ኣለዋ ብማለት ናይ ነቶ ዋና ፀሓፊ የንስ ስቶልትንበርግ ተዛርቡ።

እዚ ዋና ጸሓፊ ሎመዓቲ ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ኣኺባ ኔቶ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እስራኤል ነትወስዶ ግብረመልሲ ግን ተመጣጣኒ ክኸውን ትጽቢት ይግበር ኢሉሎ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማዝን ዝፍጠር ግጭት ንዩክሬን ዝግበር ደገፍ ከምዘይደክሞ ስቶልተንበርግ ኣረጋግጹ ናይ ኔቶ ሃገራት ኣብ ጎኒ ዩክሬን ከምዘለዋ ብንጹር ከምዘርኣየን ስቶልተንበርግ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣረጋጊጹሎ። ናይ ነቶ ሃገራት ንዩክሬን ተኸታታሊ ዝኾነ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ከምዝገብሩ ቃል ከምዝኣተዉ እዚ ድማ ሓደስቲ ምክልኻል ኣየር መጥቃዕቲ ፣ ተተኮስቲ፣ ተወሳኺ ኤፍ-16 ነፈርቲን ካልዎት ኣጽዋራትን የጠቃልል።

ዩክሬን እቲ ኲናት ክትዕወት ​​ንረብኻና ኣገዳሲ እዩ ብማለት ሩስያ እቲ ደገፍ ክሳብ መወድኣታ ከምዝቀፅል ክትፈልጥ ኣለዋ ይብል ስቶልተንበርግ።