lør. nov 22nd, 2025

ቀዳማይ ሚንስትር ኖርወይ ዮናስ ጋህር ስቶረ ትማሊ ሰሉስ ምስ ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ኣባስ ክዘራረብ እንተሎ ንኣባስ እቲ ምስ እስራኤል ተፈጢሩ ዘሎ ኹኔታ እናገደደ ከይኸይድ ክረጋግእጸዊዒት ኣቅሩቡ።

ኣብቱ ከባቢ ዘሎ ኹነታ ኣረሜናዊ ክውንነት እዩ፣ ንህዝቢ እስራኤል ይኹን ንህዝቢ ፍልስጤም ረብሓ ከምዘይብሉን ቁጽሪ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ኣዝዩ ዘሰክፍ ብምኻኑ ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት እስራኤል ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ብቅልጡፍ ደው ክብል ንኣባስ ከምዝሓተተ ቀዳማይ ሚኒስተር ዮናስ ጋህር ስቶረ ሓብሩሎ።

ብዋናነት ሐዚ ንገብሮ ዝግብኣና ኣገዳሲ ነገር ናይቱ ኲናት ከይሰፊሕ ከምኡውን ዕድምዑ ክሓጽር ምግባር ዕዩ እዚ እንተተይገበረ ግን ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘሎ ህዝቢ ዘምትጽኦ ሳዕቤን ከቢድ ኮይኑ ክቅጽል ካምዝኽእል ኣጠንቂቁሎ።

ወተሃደራዊ ፅጉምቲ ብምግዳፍ እቱ ፀገም ብኣገባብ ዲፕሎማሲ ክፍታሕ ከምዘሎዎ ምክረሓሳብ ብምሃብ ፕረዚደንት ኣባስ ነቲ ኩነታት ክረጋግን ሰላማውያን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረክቡ ኣብምሕጋዝን ከምኡውን ሲቪላት መጥቃዕቲ ከይበጽሖም ኣብምግባር ክተሓባበር ስቶረ ኣተሓሳሲቡ።