lør. nov 22nd, 2025

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ጉንፋዕ ወይ ሕማም ኮሮና ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ከምዝነበረ ቁጽሪ ክታበት ጉንፋዕ ዝወስዱ ሰባት ድማ ከምዝቀነሰ ተሓቢሩ። እዚ ድማ ከም ዘተሓሳስቦም ኢንስቲትዩት ህብረተሰናዊ ጥዕና ኖርወይ (FHI) ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሆስፒታላት ኖርወይ ብዙሕ ቁጽሪ ተቀብልለን ዘተኣናግደሉ ዓቕሚ ስለዘይህልዎም ብጉንፋዕ ወይ ሕማም ኮሮና ንዝሕመሙ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ናይ ተሓላላፋይ ሕማማት ሓላፍ ስግኣቱ ገሊጾምሎ። ካብ ከቢድ ሕማምን ሞትን ንምክልኻል ክታባት ጉንፋዕን ኮሮናን ዝበዝሑ ሰባት ክወስዱ ኣለዎም እውን ይብል።

ብተወሳኺ ናይ ሎሚ ዓመት ጉንፋዕ ሓያል ክኸውን ከምዝኽእል የጠንቅቑ።

ኢንስቲትዩት ህብረተሰናዊ ጥዕና ኖርወይ (FHI) ብፍላይ ዕድምኦም ልዕሊ 65 ዓመት ዝሖኑ ፡ ኣብ ኣረጋውያን መንከባከብ ዝነብሩ ጥስትታት ፡ ከምኡ’ውን ካልዕ ተኸታታላይ ሕክምና ዘድልዮም ሕማማት ዘለወን ሰባት ክታባት ኣንጻር ኢንፍሉዌንዛ፡ ከምኡ’ውን መሕደሲ ዝሆነ ክታባት ኣንጻር ኮሮና ክወስዱ የተሓሳስብ።