ቤት ምክር እስራኤል እታ ሃገር ኣብ ኲናት ከምዘላ ውግዒ ከምዝኣወጀ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣፍሊጡ።
ኔታንያሁ ሎምዓልቲ ቀዳም እስራኤል ምስ ሓማዝ ኣብ ኲናት ከምዘላ እንተገለጸኩዓ ናይ ቤት ምክሪ ውሳነ ስዒቡ ፅብኣሕ ሰንበት እስራኤል ልዕል ዝበሉ «ኣገደስቲ ወተሃደራዊ ስጉምትታት» ከምትወስድ ይጽበ።
- እዝ እስራኤል ተገዲዳ ዝኣተወትሉ ኩናት መንቀሉ ካብ ጋዛ ብሓማዝ ዝተገበረ ቅትለታዊ ግብረ ራዲ ጽጉምቲ ከምዝሆነ እቲ ውሳነ ይሕብር።
ሰራዊት እስራኤል እውን ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ጋዛ ተሪር ግብረ መልሲ ከምዝሃበ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጡ።
ቁጽሪ ሞት ብኽልቲኡ ወገን እናወሰኸ ይቕጽል ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ኩነታት እዚ እዩ፤
- ኣብ እስራኤል ብውሕዱ 600 ሰባት ተቐቲሎም። ልዕሊ 2 ሽሕ ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።
- ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን መብዛሕቶም ድማ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል ሙዚቃ ተሳተፍቲ ዝነበሩ መንእሰያት እዮም ።
እስራኤል ኣብ ጋዛ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ብምክያድ ዛጊድ ብውሕዱ 370 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው ።
