lør. nov 22nd, 2025

ድሕሪ ሓማዝ ኣብ እስራኤል ዝገበሮ መጥቃዕት ዋጋ ነዳዲ ወሲሑ።

ትማሊ ሰንበት ሰዓት 4፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ሰሜናዊ ባሕሪ 88 ዶላር በጺሑሎ ።
ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ብ4.3 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ናይቲ ወጋ ምውሳሕ ይቅጽልን ኣይቅጽልን ዝውስኖ ናይቱ ግጭት ኣብቱ ከባቢ ብፍላይ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ምስፋሕ ለይምስፋሕ ከምዝሆነ ተንተንቲ ይገልጹሎ። እቲ ኩነታት ከምዘይሰፍሕን ንነዊሕ ጊዜውን ከምዘይቀጽልን ተስፋ ይገብሩ።

ብካል ዜና ድማ መንገዲ ኣየር ሃንጋሪ ዊዝ ኤየር፡ ካብን ናብን ተልኣቪቭ ዝግበር ኩሉ በረራታት ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ ዝወሃብ ሰሪዘለሑ ብማለት ንደምበኛታቱ ብሚድያ ሓብሩሎ።