መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ባጀት 2024 ዓ.ም. ብምኽንያት ኩናት ብናይ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ምውሳኽን ናይ ዋጋ ምውሳሕን ስሒቡ ዝመጽ ናይ ወጻኢታት ምውሳኽ ኣብ ግምት ብምእታው ኩሉ ሰብ ኣድላይ ዝኾኑ ግልጋሎታት ብቀዳምነት ክረክብን ውሕስ ኣብምግባር ዘተኮረ ምኻኑ ተገሊጹ። ኖርወይ ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም ሓገዝ ዘድልዮም ብቀዳምነት ግልጋሎት ምሃብ ፡ ንዩክሬን ከምኡውን ስደተኛታትን ምሕጋዝ ሓላፍነት ብምውሳድ ክትሰርሕ ኮይና ኣብ ሓለዋ ከባቢን ናይ ኣየር ለውጥትታት ምክልኻልን ኣብ ዝገበሮ ፃዕሪውን ናይ ባዕላ እጃም ግክትገብርን ይገብራ።
መንግስቲ ኣብ ባጀት 2024 ብዋናነት ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሖም ስራሕቲ፤
ሰባት ኣብ ስራሕ ምጽናሕ፡ ሓደስቲ ስራሕ ምፍጣርን ዝግብኦም መሃያ ክኽፈሉ ምርግጋጽን
ኣብ መዋእለ ህጻናትን ፣ ቤት ትምህርትታትን ፣ ኣገልግሎት ጥዕና፣ ማዕከላት ኣረጋውያንን ካልኦት ኣገደስቲ ኣገልግሎት ወሃባይ ትካላት መሰረታዊ ድሕንነት ውሕስና ምርግጋጽ
ብምክንያት ዋጋ ምውሳኽ ዝጽገሙ ሰባት ምሕጋዝን
ናይ ኖርወይ ድሕንነትን ድልውነትን ቀዳምነት ምሃብ
ኣብ ጎን ዩክሬንን ስደተኛታትን ደው ብምባል ንጸጥታ ኤውሮጳ ኣበርክቶ ምግባር
ኣብ ምክልኻል ናይ ኣየር ለውጥትታት ምንጣፍ ከምኡውን ኣብ ንሓለዋ ከባቢ ምብርካት
እቲ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ዘይተሓጸበ ጸጥታዊ ፀገም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታን ናይ ዋጋ ምውጻሕ ስለዘምፀ ኖርወይ ንዚ ጉዳይ ትኹረት ብምሃብ ንምክልኻል ዩክሬን ሳዕቤን ኲናት ዩክሬንን ወጻኢታት ንምሽፋን ልዕሊ 44 ቢልዮን ክሮነር መዲባላ።
ከም መንግስቲ ኖርወይ ብ 2024 ናይ መሃያ ዕብየት ግምት 4.9 ሚእታዊት ከምዝኾነ ናይ ዋጋ ምውሳኽ ድማ 3.8 ሚእታዊት ከምዝኸውን ትጽቢት ይግበር።
እዚ ድማ ንነበርቲ ኖርወይ ፅቦቕ ዜና እዩ ተባሂሉ።
