ካብ ዝመጽእ ረቡዕ ጀሚሩ ን ሓደ ሰሙን እቶም ናይ ትሕቲ ምድሪ ባቡር (T -Bane) ተጠቀምቲ ብኣውቶቡስ ክጓዓዙ ኣለዎም ።
Ruter ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ ማዕከል ስኩለሩድን ሞርተንስሩድን ዝርከብ ዝኣረገ ናይ ሓዲድ መስመር መቀየሪ ምላስ ስለዝቕየር ናይ ትሕቲ ምድሪ ባቡር ተጠቀምቲ ካብ 11 ጥቅምቲ ክሳብ 19 ጥቅምቲ ኣውቶቡስ ክትቀሙ ከምዘሎዎም ተሓብሩሎ ።
እቲ ናይ ሓዲድ ምላስ ኣብ ዝቕየርሉ እዋን፡ መስመራት ኣውቶቡስ 71Aን 71Bን ናብ ስኩለሩድ ከምዝናውሕ ወሃቢ ቃል Ruter ኦይስተይን ዳህል ጆሃንሰን ሓቢሩ።
Ruter ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ስኩለሩድ ብዙሕ ተወሳኺ ትራፊክ ኣውቶቡስ ከምዝህሉ ሓቢሩ ናይ ኣውቶቡስ 76ን 79ን ፌርማታ ካብቲ ናብ Olaf Helsets vei ከምዝተቐየረ ገሊጹሎ ።
ተጓዓዝቲ ብናይ Ruter ኣፕ ብምጥቃም እዋናዊ ሓበሬታ ክረኽቡ ምክር ተዋሒቡሎ
