ሓደሽቲ ልቓሕ ደለይቲ 8 ሚእታዊት ናይ ወለድ መጠን ዘየጸግሞም ክኽህሉ ኣለዎም። ንብዝሓት ድማ ብጣዕሚመሰከፊን እዩ። ባንክታት ንሓደሽቲ ልቓሕ ደለይቲ ልቓሕ ክህቡ እንተሎ 8 ሚእታዊት መጠን ክኸፍሉ ከምዝኽዕሉ ካጻሩ ኣለዎም።
ሕጂ ልቓሕ ንምርካብ ዝያዳ ከቢድ ከምዝሆነ ዘሐበሩ ባንክታት ምኽንያቱ ድማ እቲ ወለድ ኣዝዩ ዝለዓለ ስለዝኸውን እዩ ይብሉ። ናይ DNB ባንክ ዳይረክተር ኢንየርድ ስፒተን ከምዝበሎ ልቓሕ ክንደይ ክንህብ ከም ንኽእል ክንምርምር እንተለና
ናይ ኖርወይ ልቓሕ ደንቢ ተኸቲልና ስለዝኸውን ኸዝ ካብዘሎዎ ወለድ 3 ሚእታዊት ተወሳሒ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ኣልዎ ዶ ዝብል ኣብ ግምት ኣቲና እዩ ብማለት የብራርሕ። እዚ ማለት ሓደሽቲ ልቓሕ ደለይቲ ልዕሊ 8 ሚእታዊት ወለድ ክጻወሩ ክኽእሉ ኣለዎም ማለት እዩ።
እዚ ማለት ሓንቲ ና 1 ሚልዮን ክሮነር ዓመታዊ እቶት ዘለዋ ስድራቤት፡ ንሓንቲ ምሉእ ስድራቤት ዝወሃብ ናይ ልቓሕ ምጠን ብ 300 ሽሕ ክሮነር ክወርድ ስለገብሮ ምችኡ ገዛ ንምዕዳግ ንብዙሃት ኣጸጋሚ ኹኔታ ክፈጥር ከምዝኽእል ናይ BN ባንኪ ዳይረክተር ኤንድረ ጆ ረይተ ስክፍትዑ ገልጹሎ ።
