lør. nov 22nd, 2025

ናይ ነበርቲ ኖርውይ ዕዳ መጠን ኣብ ወርሒ መስከረም ብ1.8 ቢልዮን ክሮነር ወሲኹ። ሕጂ እቲ ጠቕላላ ዕዳ ኖርወጅኣውያን 157.7 ቢልዮን ክሮነር ኮይኑሎ ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም ክነጻጸር እንተሎ ብ7.4 ቢልዮን ክሮነር ዝዓበየ እዩ ።

ሓላፍ ትካል ኖርወጅያን ዕዳ ኢንፎርሜሽን ስቨይን ኡቭ ካርስተንሰን ናይቱ ዕዳ ምውጻሕ ምክንያት ብዝሓት ዝተፈላለዩ ወጻኢታት ንምኽፋል ስለዝጽገሙ ከምዘኾነ ይኣምን።

ናይ ክረዲት ዕዳ ወለድ ምውሳሕ ዘለዎ ብዝሓት ዝተለቅኾ ዕዳ ብነዊሕ ጊዜ ክኸፍሉ ስስዝግደዱ ከም ሓደ ምክንያት ተጌሩውን ይውሰድ። እዚ ምስቲ ዝወስኽ ዘሎ ልቓሕ ተደሚሩ፡ ንቑጠባ ዝኸውን ገንዘብ ከምዘይብሎምን በዚ ድማ ዝተፈላለየ ወጻኢታት ንምሽፋን ተወሳኺ ልቓሕ ክወስዱ ይግደዱ ይብል ካርስተንሰን።

ብሓፈሻ እቲ ዕዳ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 4.9 ሚእታዊት ወሲኹሎ።

ኣጠቓቕማ ክረዲት ካርድ ግን ብ0.7 ቢልዮን ክሮነር ዝቐነሰ ተፈልጡሎ።

ካርስተንሰን ሰባት ናይ ክፍሊት ጸገም ከይህልዎም ኣብ ገንዘብ ኣተቃቕሞም ጽቡቕ ቁጽጽር ክገብሩ ይግብኦም ይ ብል።

ምንጪ:https://www.dagsavisen.no/nyheter/innenriks/2023/10/02/forbruksgjelden-har-okt-med-74-milliarder-pa-ett-ar/