ድሕሪ ዝተጀመረ ምሻጥ iPhone 15ን iPhone 15 Proን፡ ተጠቀምቲ ናይ ሙቀት ምውሳሕ ጸገም ከምዘጋጥሞም ጸብጻባት ኣቅሪበን ነይሮም፡ እዚ ድማ ንይ ባትሪ ዕድመ ምቅናስ ሰገን እውን ይፈጥር ኣሎ ።
ኣፕል ነቲ ጉዳይ መርምሩ እቱ ጸገም ከምዘሎ ኣረጋጊጸ አለሁ ኢሉ ብ iOS 17 ምክንያት ከምዝሖነን ምስ ካልኦት ናይ ሳልሳይ ወገን ፕሮግራማት እውን ናይ ምሕውስዋስ ጸገማትን ስላጋጠመ ምዃኑ ገልጹሎ ።
እቲ ኩባንያ ነቲ ኣብ iOS 17 ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ኣፕ ዲቨሎፐራት ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ ሓብሩሎ። ሓዱሽ ናይ iOS 17 ፕሮግራም ክመጽእ አንተሎ ከምዝስተካከልዉን ገሊጹሎ።
ተንተንቲ ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ናይ ሙቀት ጸገም፡ ኣብቶም መሳርሒታት ዝጥቀሙሉ ሓደስቲ ፕሮሰሰር ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ዝነኣሰ ክብደት ንምርካብ ብዝተገብረ ፈተነ ዝተፈጠረ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብሩ።
እቲ ዝመጽእ ሓዱሽ ሶፍትዌር ነቲ ጸገም ክፈትሖ ድዩ ኣይፈትሖን ክሳብ ሕጂ ብርግጸኝነት ምትንባይ ኣይከኣልን።
