lør. nov 22nd, 2025

በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ኢሮበ፣ ኣብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ኣብ ጎደናታትን ካልኦት ሰባት ዝእከበሉ ቦታታትን፣ ድሕሪ 3 ዓመት ብድምቀት ተከብሩሎ። ናይ ሎሚ ዓመት በዓል መስቀል ኣብ እምባ ጮምዓ፣ መቐለ ፣ ዓዲግራን፣ ኢሮበን ምስቲ ናይ ቀደም ክብሩ ከምዝተኸበረን ንኣክበርቲ ድማ ፍልይ ቦታን ትርጉምን ከምዘሎዎ ይፍለጥ እዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ድማ ብሰንኪ ኲናት ድሕር 3 ዓመት ምቁራትፅ ስለዝኽበር ፍልይ ዝበለ ስሚዒት ከምዘለዎ ብዝሓት ይስማምዑ።
ነበርቲ መቐለ ጮምዓ ኣብ ዝበሃል ገዚፍ እምባ ብምኻድ፣ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ሽምዓ ብምብራኽ ፣ መንእሰይ ድማ ችቦ ብምሓዝ ናብ ማዕከን መቐለ ዝወስድ ዚግዛግ መንገዲ ሒዞም ናብ ከተማ ይኣትዉ።እዚ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ከምዝነበረ እብቲ ከባቢ ብዝነብሩ ዓበይቲ ሰባት ይግለፅ። ሓንቲ ያዮት ማሰለ ዝተባህለት ብዕድመ ዝደፍአት እመቤት ተራኺብና ተዘራሪብና «ቅድሚ ምውላድና መስቀል ኣብ ጫፍ እምባ ጮማ መቐለ ይኽበር ነይሩ» ኢላ።

እቱ ናብ ጮምዓ ዝወስድ ዝግዛግ መንገዲ ብነባር ኣመሓዳሪ ትግራይ ራስ መንገሻ ስዩም ዝተሰረኸ ኮይኑ ኣኸባበራ ስነ-ስርዓት መስቀል መቐለ ዝተፈለየ ኮይኑ ክኽበርን ክቕፅን ናይ ባዕሉ ኣስትዋፅዖ ኣበርኪቱሎ። ጮምዓ ብብዓመቱ ባህላዊ ፀወታ መንእሰያት ፣ ሳዕስዒት ኣዋልድ፣ ሃይማኖታዊ ስነስርዓት፣ ንኽንኽ ፖሊስን መንእሰያት ዝረኣዩሉ ቦታ እዩ።

ኣብቱ ኣኸባብራ በዓል መስቀል ዝተረኸቡ ሰባት ናይ ሎሚ ዓመት በዓል መስቀል ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝሓሸ ብምኽባሮም ሕጉስ እዮም። በዓል መስቀል፡ኣብ ዓዲግራት ማይጨው ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱምን ካልኦት ክልል ትግራይን ብተመሳሳሊ ድምቀት ተኸብሩሎ።