lør. nov 22nd, 2025
እቲ ቀይሕ ቦታ ማይ ምፍላሕ አገዳስነት ዝምልከቶም ቦታታት የሪእ ይ:- ካርታ - Oslo Kommune
Oslo kommune -kart

እቲ ቀይሕ ቦታ ማይ ምፍላሕ አገዳስነት ዝምልከቶም ቦታታት የሪእይ:- ካርታ Oslo kommune

ናይ ኦስሎ ከተማ ምምሕዳር ኣብ ከባቢታት ሮኣ፡ ቦግስታድ፡ ቮክሰን ስኮግ፡ ሚድትስቱን፡ ቬታኮለን፡ ቮክሰናሰን፡ ሆልመንኮለንን ትሪቫንን ንዝርከቡ ልዕሊ  25 ሽሕ ነበርቲ ዘይፈለሀ ማይ ከይሰቱ  አተሃሳስቡ ።

ባሩም፡ ብወገኑ ድማ  አብ ኤክስማርካ፡ ኦስተራስ፡ ጃር፡ ሆስለ፡ ሃስሉም፡ በከስቱዋን ንዝነብሩ ልዕሊ 46 ሽሕ ነበርቲ ተመሳሳል  መጠንቀቅታ፣ መስከረም 20 ልኢኩሎ::  ኩሉ ሰብ ኣብ ከባቢታት ሮኣ፡ ቦግስታድ፡ ቮክሰን ስኮግ፡ ሚድስትዩን፡ ቬታኮለን፡ ቮክሰናሰን፡ ሆልመንኮለንን ትሪቫንን ዝስተ ማይ መጀመርያ ክፍልሕ ኣለዎ። እዚ ንኽስተ ማይ ጥራይ ለይኮነስ ኣብ ማሽናት ቡን፡ ንበረድ ወይ ስኒ ንምብራሽ ዝውዕል ማይ እውን ከምዘጠቃልል  ተገሊፁሎ።

ምኽንያት ናይቲ ናይ ምፍላሕ ለበዋ፡ ድማ ካብቲ ከባቢ ዝተወሰደ ናሙና አቱ ማይ፡  ሕማም ብዘመፅ ናይ መዓንጣ ባክተርያ ዝተበከለ ምዃኑ ስለዝተረጋገፀ እዩ። ምንጪ ናይቲ ብከላ ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽበን።

– እዚ ንሰባት ክሓምም ይኽእል እዩ፣ ንድሕነት ክብል ድማ ማዘግጃ ቤት ኦስሎን ባሩምን ኣብ ዝተጠቀሳ ከባቢታት  ዘሎዉ ሰባት  ኩሉ ማይ ከፍልሕ አተሃሳሲበን አለዉ።  ነበርቲ እቶም ከባቢታት ድማ ሐበሬታ  ብስልኪ ከምዝተሰደደሎም ተሓበሩሎ ።

እዚ ማይ ናይምፍላህ መጠንቆቅታ መዓዝ ከምዝለአል ንጹር ኣይኮነን፡ ክሳብ ቀዳም 23 መስከረም ክፀንህ ከምዝክዕል ግን ተሃቢሩሎ።

ምንጪ- https://www.dagbladet.no/nyheter/over-70-000-anbefales-a-koke-drikkevannet/80227310