ካብ ጽባህ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ምብራቓዊ ኖርወይ ብጫ ናይ ሃደጋ መጠንቀቕታ ዝተዋሃቦ ሃያል ማይ ክወቅ ከምዝክል ተዋሂቡ።
ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ገለ ቦታታት ካብ 40 ክሳብ 60 ሚሊሜተር ዝናብ ክውቅ ከምዝኽእል ክኢላ ሜትሮሎጂ እታ ግዝኣት ሃነ ቢተ ስካቶር ንቪጂ ሓቢራ።
ኣብ ልዕሊ መላእ ደቡባዊ ኖርወይ ዓቢ ናይ ማይ ደመና ከምዘሎ እዚ ድማ ካብ ትሮንደላግ ጀሚሩ ብመላእ ደቡባዊ ኖርወይ ከምዘጠቃሊል እቲ ክኢላ ሜትሮሎጂ ይዛረብ።
ድሕሪኡ ድማ ዝተፈላለየ መጠን ዘሎ ማይ ክወቅ ብፍላይ ድማ አብ ምዕራባዊ ከባቢታት ካብ ሎማአልቲ ረቡዕ ክሳብ ሓሙስ ብዙህ ማይ ከምዝወቅ እዚ ድማ እለተ ዓርቢ ናብ ምብራቕ ምብራቓዊ ኖርወይ ከምዝሰግር ክትብል ስካቶር ገሊጻላ።
ኣየኖት ከባቢታት ብትክክል ዝበዚህ ማይ ከምዝወቅ ግን ብርግትጽኝኜጥ ንምግማት ኣጸጋሚ ኾይኙ እዚ ነዚ ካብ ደቡብ ዝመጽእ ኩነታት ኣየር ልሙድ እዩ ክትብል እታ ክኢላ ሜትሮሎጂ ብምግላጽ – ኣብ ነንሕድሕዶም ዘይርሕቑ ቦታታት ዓቢይ ፍልልይ ክህሉ ይኽእል እዩ ትብል።
ኣብ ኣግደር እውን ቁሩብ ዝናብ ይዘንብ ኣሎ – ካብ ረቡዕ ምሸት ክሳብ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ብጫ መጠንቀቕታ ኣሎ።
– ድህር አርቢ ክሳብ ሰንበት ማይ ምውቃ ጠጠው ከምዝብል ሰንበት ንምብራቓዊ ክፋል ኖርወይ ጽቡቕ ናይ አየር ሁነታ ዝህልው ይመስል። ንምዕራብ ኖርወይ ግን፡ እቲ ብዘይማይ ዝሃልፍ መዓልቲ ዓርቢ ክኸውን ከሎ – ቅዳምን ሰንበትስ ግን ማይ ከምዝወቅ ይጽበሎ።
ኣብ ምዕራባዊ ኖርወይ ካብ ሃርዳንገርፍዮርድን ኣግደርን ንደቡብ ብጫ መጠንቀቕታ ውሕጅ ኣሎ።
ኣብ ሰሜን ኖርወይ ድማ ቁሪ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣብ ተራራታት ድማ በረድ ክህሉ ከምዝክእል ኣብ ፊንማርክ ድማ በረድን ማይን ዝቀላቀለ ናይ አየር ሁነታ ይጽበሎ።
እቲ ክኢላ ሜትሮሎጂ ብዙህ ማይ ዝውቀሉ ንዝነብሩ ሰባት መጠንቆቅታ ክገብሩ፣ ብፍላይ ድማ ናይ ውሕጅ ሃደጋ አብዘለውሉ ቦታታት ናይ ትራፊክ ሃደጋ፣ ዝበዚሀ ጸጸር አብ መንገድታት፣ ጎሓፍ፣ ክህሊው ከምዝክል ተሃቢሩሎ።
