ንግዳዊ ሓደጋ ንምቅናስ ሓገዝ ብምጥቃም ኣናእሽቱን ማእከሎትን ትካላት ሕርሻ ካፒታል ክረኽባ ብምግባር ኣብ አፍሪካን ዝርከባ ዓድታት ውሕስነት ምግብን ዝዓበየ ንምግባር ኖርወይን ና አሜሪካ ሐገዝ ወሃባይ ትካል (USAIDን) ብነፍሲ ወከፈን 350 ሚልዮን ብምውፍራ ሐዱሽ ፈንድ አጣይሸን ዓለዋ።
ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብዝተኣሳሰር ዝተራከባን፡ ሚኒስተር ልምዓት ኖርወይን አን ብዓተ ትቪነራይምን ናይ አሜሪካ ሐገዝ ወሃባይ ትካል ዳይረክተር ሳማንታ ፓወርን፡ እዚ ፈንድ ኣፍሪካ ንሕርሻን ንምግቢ ውሕስነትን ክተረጋግፁ ንምግባር አላማ አለዎ ።
– ብዙሕ ግዜ ንኣሽቱን ማእከሎትን ኩባንያታት ተአማናይ ብድር መልሰን ዝከፍሉ አይክአሉን ዝብል ገምጋም ንርኢ አለና። ስለዝሆነም ካብ ክልተየን ዓድታት ዝወሃብ ንይ ልምዓት እርዳታ ንኣሽቱን ማእከሎትን ኩባንያታት ብምሃብ ምርታማነት ክአብይ ክንጥቀሞ ብምግባር ንሃገራት ኣፍሪቃ ርእሶም ንምኽኣል ካብ ወፃኢ አድ ዛቷ ናይ ምግቢ መጠን አውን ክቀንስ ንምግባር ዝውእል ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ትብል ሚኒስተር ልምዓት ኣን ብዓተ ትቪነረይም።
እቲ ፈንድ ንተበደርት ናይ መጀመርታ ካፒታል ከቕርብ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ደቡብ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ሕርሻ ንግዳዊ ክአብዩ ውልቃው ትካላት ድማ ናይ ልምዓት ካፒታል ብምሃብ ክሳተፋ ዘበራት ከምዝኸውን አጡ ፈንድ ቅጣየስ ሃሳብ ዘቅሬባን ንይ ኖርዌይን አሜሪካን ልማታዊ ትካላት (NORADን USAIDን ) ሃብረ አለዋ። ብመሰረት ስሌታት ኖራድ፡ እቲ ፈንድ ልዕሊ 10 ቢልዮን ክሮነር ከከአካክብ፡ 20 ሽሕ ሓደስቲ ስራሕ ንምፍጣርን ኣብ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ንኣሽቱ ሓረስቶት ኣወንታዊ ጽልዋ ናይ ምፍጣርን ዓቕሚ ኣለዎ። ኣብ ኣፍሪቃ ንሕርሻ ጥራይ ዝኸውን ካፒታል ብሰፊሑ ንምእካብ ዝዓለመ ከምዚ ዓይነት አሰራርሃ ክሳብ ኸዚ የለይ ።
እቲ ምጅማር ብምትሕብባር መድረኽ ቁጠባ ዓለም፣ ዩኤስኤኣይዲን ኖርወይን ዝተኻየደ እዩ። ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፣ ሚኒስትር ካዝና ኣሜሪካ ጃኔት የለንን ፕረዚደንት ባንኪ ኣፍሪካ ኣኪንዉሚ ኣደሲናን ተረኺቦም። አብቱ ምጥያሽ ፕሮግራም ሕርሻ እቱ ዝግብኦ ትኩረት ዘይተውሃቦ ምጣነ ሃፍታዊ ዘርፍ ከምዝኮነን አንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ድማ ብቀሊሉ ካፒታል ዝረክብሉ መንገዲ ከምዘድሎም ፓወር አተሃሳሲባላ ።
ፕረዚደንት ኬንያ ሩቶ፡ ብወገኑ እቲ ፈንድ ኣዝዩ ጽቡቕ ምዕባለ ክብል ገሊጽዎ። ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሕርሻ ዝግበር ወፍሪ ድኽነት ንምቅናስ ንምጥፋ እቲ ዝበለጸ ርጉጽ መንገዲ ምዃኑ ኣመልኪቱሎ ።
ምንጪ ናይ ኖርወይ ወፃኢ ጉዳይ ሚንስተር – https://www.regjeringen.no/no/aktuelt/norge-og-usa-lanserer-nytt-initiativ-for-a-oke-matsikkerhet-i-afrika/id2994419/
