Cts. Şub 8th, 2025

ኣብ ዝተፋላለዩ ወረዳታት ኖርወይ ዝነብሩ ተቀበልቲ ማሕበራዊ ሓገዝ ንበዓል ልደት ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ ክወሃብ እዩ። ኣብ ትሮንድሃይም ንሓደ ቆልዓ 2000 ክሮነር ኣብ ስታቫንገር ድማ ብቆልዓ 500 ክሮነር ከምዝወሃብ ትሓብሩሎ ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ተወሳኺ 1000 ክሮነር ንበዓል ልደትን ንሕድ ሕድ ቆሉኣ ድማ 1000 ክሮነርን ተዋህቡ ከምዝነበረ ይዝከር። ሎሚ ዓመት ከምኡ ኣይክኸውንን ብማለት ቤት ምክር ኖርዋይ ወሲኑ እንታይ ዓይነት ማሕበራዊ ሓገዝ ከምዝወሃብ ሕድ ሕድ ወረዳ ባዕሉ ክውስን ተጌሩሎ። ስለዝኾነም ንበዓል ልደት ተባሂሉ ዝወሃብ ናድ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ወረዳ ወረዳ ይፈላለይ ።

ኣብዚ እዋን ንበዓል ልደት ኢሎን ናይ ገንዘብ ድጋፍ ዝሓትቱ ሰባት ቁፅሪ ብጣዕሚ ወሲሑሎ።

ምንጪ:-https://www.vg.no/nyheter/i/5BaPve/julehjelp-disse-kommunene-gir-ekstra-penger-foer-jul