ናይ ኔቶ ዋና ፀሃፊ የንስ ስቶልተንበርግ፣ ካብ ዩክሬን ንዝመጽእ ሕማቕ ዜና ክንዳሎ ኣለና ኢሉ ንዩክረን ዝወሃብ ደገፍ ግን ክቕጽል ከምዘለዎ ምስ ናይ ጀርመን ቲቪ ቻነል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።
ስቶልተንበርግ፡ እቲ ሕማቅ ዜና ካብ ኣየናይ ግንባር ከምዝሆነ ኣይገለጸን። ዩክሬን ትገብሮ ዘላ ናይ መልሶ መጥቃዕቲ ፈተነ ግን ብዙሕ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ክሳብ ሐዚ ኣይተረኸበን። ሩስያ ትገብሮ ዘላ ናይ መጥቃዕትታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድማ ከምዝወሰኸ ሩጺኣ ድማ ኣፍቱ ኩናት ዝሳተፋ ናይ ወተሃደራት ቁፅሪ ድማ ብ170 ሽሕ ክትውስሕ ምዃና ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹሎ።
ስቶልተንበርግ እቱ ውግዕ ብደረጃ ከም ዝምዕብሉ ኣስሚሩ ዩክሬን ተካይዶ ዘላ ናይ መልሶ መጥቃዕት ዋላ እንኩዓ ናይ ቦታታት ለውጢ ዘይተረኸበ እኽኑኣ ብዙሓት ኣወንታዊ ዓወታት ተረክበን እየን ኢሉ ይኣምን።
ምንጪ:- https://www.dagbladet.no/nyheter/advarer-kan-fa-darlige-nyheter/80617099