ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ምዕራባውያን ኣብ ሩስያ ዝገብርሩዎ ናይ ምጣኔ ሃፍት ማዕቀብ ናይ ዓለም ለኸ ቁጠባዊ ምቅስቃስ ይጎድኡዎ ከምዘለዉ ንሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ ዝተገብረ ማዕቀብ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ጽልዋ ዘሕድር ፡ ዋጋታት ድማ ዘዕብይ ከምዝኾነ ብምሕባር ኣሜሪካ ክሳብ ሕጂ ንባዕላ ዩራንየምን ካልኦት ኣገደስቲ ክባር ማዕድናት ካብ ሩስያ እነሸመተት ንኩባንያታት ኤውሮጳ ግን ጠጠው ግበሩ ማለት ዓብይ ጌጋን ናይ ሩስያ ቁጠባዊ ዓቕምን ዝጎድዕን እዩ ኢሉሎ።
ናይ ምዕራባውያን ሓምለዋይነት መሰረት ዝገበረ ምጣኔ ሓፍታዊ ምቅስቃስ እውን ናይ ዓለማዊ ዕዳጋ ነዳድን ጋዝን ቅልውላው ዝፈጥር ምኻኑ ብምግላጽ ጋዝፕሮም ዝበሃል ናይ ሩስያ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሮ ምስኣን ዕዳጋ ንምክካስ ዘምርቶም ናይ ነዳድ ምርትታት ትሕት ብዝበለ ዋጋ ንቻይናን ህንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ክሸውጥ ተገዲዱሎ ይብል ላቭሮብ።
ምንጪ: https://borsen.dagbladet.no/nyheter/vesten-odelegger/80478975