Per. Kas 30th, 2023

ኣብ ዝቅፅሉ መዓልትታት ዝሕልው ናይ ኣየር ፅርየት ዝተሓተ ከምዝኸውን ተሓቢሩ።

ልዕል ዝበለ ናይ ብከላ ኣየር፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሮንድሃይም ከምዝፅበ ናይ ኖርወይ ከባብያዊ ሚንስቴር ኣጠንቂቁ። እቲ ብከላ ድማ ናይ ኣስሚ፣ ልቢ ፣ ናይ መተንፈስ ኣካላት ሕማም ንዘለዎው ሰባት፣ ዓብይ ናይ ጥዕና ሓደጋታት፣ ከስዕብ ከምዝኽእል እይ ተሓብሩ።

እቲ ሚንስቴር ካብ ሎሚ ረቡዕ 15- ሕዳር 2023፣ ሰዓት 12፡00፡ ጀሚሩ ክሳብ ጽባሕ ኣብ ኦስሎን ካልእ ክፋላት እታ ሃገርን’ውን ልዑል ወይ ማእከላይ ደረጃ ብከላ ኣየር ይፅበ ኢሉሎ።


ምንጪ: – https://www.dagbladet.no/nyheter/advarer-om-hoy-luftforurensning/80519084