Per. Eki 10th, 2024

ኖርወይ ብቀይሕ መስቀል ኖርወይ፣ ብባይቶ ስደተኛታት ኖርወይ፣ ብሰባዊ ሓገዝ ቤተክርስትያናት፣ ብህዝባዊ ሓገዝ ኖርወይ፣ ብካሪታስ ኖርወይ፣ ብትካል ህፃውንቲ ኣድሕን ኖርካፕን ኣቢላ ንዩክሬን ሓደ ቢልዮን ክሮነር ሂባላ ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክሬን ዝኣወጀቶ ኣረሜናዊ ኲናት ይቅጽል ከምዘሎ ዝሓበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ኤስፐን ባርት ኣይደ 18 ሚልዮን ዝኾኑ ዩክሬናውያን ካብ ኩናት ብተውሳኺ ንሓያል ቁርን ዝጋለፅሉ ጊዜ ስለዝመፀ ዝለዓለ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ኢሉሎ ። ኖርወይ ብናንሰን ፕሮግራም ዝበሃል ስምምነት መሰረት ንዩክሬን ንሚልዮናት ዩክሬናውያን ህጹጽ ሓገዝን ሓለዋን ምግባር ከምትቀጽል እውን ይገልጽ።

እቲ ሓገዝ ድማ ንውሕስ ናብራ ፣ ንትምህርቲ፡ ንጥዕና። ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍን ንምግብን ፣ ንማይ፣ ንፅሬትን ንሓለዋ ሲቪላት ዝውዕል ይኸውን። ብተወሳኺ ለይተንፈጨራ ኣፅዋናት ንምምካን ንምጽራይ ኖርወይ ትህቦ ሓገስ ትሕይል ኣላ።

ምንጪ:- https://www.nrk.no/nyheter/norge-trapper-opp-ukraina-stotte-1.16634923