Per. Kas 30th, 2023

Statistikken over viser en økning antall straffesaker i Bergen, Askøy og Øygarden i aldersgruppene 13–17 år i 2023 sammenlignet med gjennomsnittet fra 2018 til 2023. Foto: Politiet

ዝሓለፈ ሰሙን ሳርቱር ኣብ ዝበሃል ዕዳጋ መደብር ሓደ ኣባል ፖሊስ ብሓደ መንእሰይ ርእሱ ተወቂዑ ጉዳት ከምዝበፀኾ Bergenavisen ሓቢራ። ማእከል ሳርቱር ኣብ ስትራውመን ዝበሃል ፡ ካብ ከተማ በርገን ምዕራብ ገጽ ይርከብ።

እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ሕጊ ኣልቦነትን ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢሙና ዘይንፈልጥ ነገር ከምዝኾነ ፖሊስ ሓቢሩ። ብወንጀል ዝሳተፉ ድማ ትሕት ዝኾነ ዕድመ ዘለዎም መንእሰያት እዮም ምኻኖም ገሊጹሎ ። እተን ገበናት ድማ ስርቅን ፣ ዕንወትን ከምኡውን ብካራ ምፍርራሕን ከምዝኾና- ፈፀምቲ ድማ ዕድምዖም ካብ 12-15 ዓመት ዝኾና መንእሰያት እዮም ተባሒሉሎ። ኣብ ስርቂ ሸቀጣ ሸቀጥ መደብሪ ዓመጽን፣ ምምንጣልን ዝሳተፋ መንእሰያት ብዙሕ ጊዜ ፍልልይ ፅቦቅን ጌጋን ብትኽኽል ዘይተረድኦም ምኻኖም ስግኣት ፈጥሩሎ።

ምንጪ:- https://www.vg.no/nyheter/innenriks/i/LlR2dQ/ungdomskriminaliteten-oeker-flere-steder-i-norge