ኣብ ኖርወይ መድሃኒት ምቁቋም ዓቕሚ ዘለዎም ባክተርያታት ቁፅሪ ትሕት ዝበለ እንተኾነ እንኩኣ ናይ መዓንጣን ከምውን ከባብያዊ ባክተርያታት ግን ስክፍታ እናፈጠረን ምኻኖም ናይ ኖርወይ ህብረተሰናዊ ጥዕና ኢንስቲትዩት (FHI) ዕላዊ ገሩ።
FHI ካርባፔነማዝ ዝተበሃል ናይ መድሃኒት ምቁቋም ዓቕሚ ዝህብ ንጥረ ነገር ዘምርቱ ባክተርያታት ቁፅሪ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ እዚ ድማ ንጥዕና ህዝቢ ከቢድ ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኾነ ብፍላይ ተኸታታላይ ሕክምና ዘድልዮም ሕሙማንን ንኸቢድ ሕማምን ሞትን ከጋጦም እዩ ብማለት እቱ ትካል ይገልጽ። ናይ ጥዕና ትካላት ዝህቡዎ ግልግሎታት ኣብ ፀገም ዘውድቅ ከምዝኾነ ተሓብሩሎ።
መድሃኒት ምቁቋም ዓቕሚ ብዘለዎም ባክተርያታት ዝህመሙ ሰባት ቁፅሪ ካብ 70 ናብ 180 ሰባት ካብ 2021 ክሳብ 2022 ከምዝወሰኸ እቲ ወሰኽ ድማ ክሳብ ሕዳር፣ 2023 ናብ 200 ከምዝበፀኸ ብምሕባር ምኽንያቱ ድማ ብሸቀጣ ሸቀጣት ኣቢሎም ናብ ኖርዋይ ዝኣትኡ ባክተርያታት ምውሳኽ ከምዝኸውን ብተወሳሒ ድማ ብ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ቀኒሱ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ጉዕዞ ምውሳኽ ከምዝኸውን ናይ ኖርወይ ህብረተሰናዊ ጥዕና ኢንስቲትዩት (FHI) ኣፍሊጡሎ።