ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ጋዛ ናይ “ህጻውንቲ መቃብር ” እናኾነት እያ ኢሉ ። ኣብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን፡ ደህንነት ሰላማውያን ሰባት ምውሓስ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ ።
ሓይልታት እስራኤል ሰላማውያን ሰባት፡ ሆስፒታላት፡ መዓስከራት ስደተኛታት፡ መሳጊድ፡ ኣብያተ ክርስትያናትን ቢሮታት ሰባዊ ሓገዝ ትካላት ብከቢድ መሳሪያታት ይወቅዎም ከምዘሎ እውን ዕላዊ ገሩሎ።
እቱ ኹኔታ ዘስክፍ እንተኾነ እንኩዓ ጸሓፊ ፕረስ ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ተኹሲ ደው ምባል “ኣብዚ እዋን’ዚ ግቡእ ኣይኮነን” ኢላ ከምትኣምን ገሊጹሎ ።
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብዛዕባ እቲ ኲናት ብተሌፎን ከምዝተዘራረቡ እውን ሓብሩሎ።
ምንጪ-https://www.dagbladet.no/nyheter/gravplass-for-barn/80469445