lør. nov 22nd, 2025

ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኒጀር፡ ድሕሪ’ቲ ብ26 ሓምለ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ መንግስቲ ግልበጣ ኣጀንዳ ዓለም ለኸ ሜድያ ኮይናላ። እዚ ስዒቡ ምስ ፓሪስ ዝተፈጠረ ምፍልላይ ስልዝተፈጠረ መራሒ ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኒጀር ዝርከባ 1500 ወተሃደራት ፈረንሳ ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ብ24 መስከረም ኣፍሊጡሎ ።

ብኣንጻሩ እቱ ሓዱሽ ወተሃደራዊ መንግስቲ ንፈረንሳይ ኣምባሳደር ሲልቫን ኢተ ብ25 ነሓሰ ካብታ ሃገር ክወጽእ 48 ሰዓታት ድሕሪ ምሃቡ፡ ዲፕሎማስያዊ ወኪል ፈረንሳ ዕላዊ ገሩ ነይሩ።

ቢቢሲ ኣብ ኒጀር ዝነብሩ ሰባት ደገፍትን ተቓወምትን ወታረራዊ መንግስቲ ብምዝርራብ፡ከምዝፀብፀቦ፡ ኣብታ ትህቲ ፈረንሳይ ዝነበረት ዓዲ ኒጀር ኣብ ዞባ ሳሕል ብችኛ ናይ ምዕራባውያን መሓዛ ኮይና ትረዕይ ዓድ ኾይና፡ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ምስፍፋሕ ጉጅለታት እስላማዊ ራዕዲ ዓብይ ምና ትጻወት ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ ። ኣሜሪካንን ፈረንሳን ኣብቲ ዓዲ ሰራዊት ኣለወን። ብተወሳሒ ዋሽንግተን እቱ ዝዓበየ መዕረፍ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) መስሪታላ።

ብዙሓት ኒጀራውያን ፈረንሳ ኣብ ኒጀር ዝለዓለ ጽልዋ ከምዘለዋ ብናይ ኒጀር ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እውን ዝበለጸ ተጠቃማይ ከምዝሆነት ይዓምኑዮም። ደገፍቲ ወታደራዊ መንግስቲ እቲ ሰራዊት ጽልዋ ፈረንሳ ካብታ ሃገር ደምሲሱ ምሉእ ልኡላውነት ክሕዝ ተስፋ ኣለዎም።

ኒጀር ብ 1960 ካብ ፈረንሳ ናጽነት ካብ ዝረኸበትሉ ጊዜ ንደሓር 5 ናይ ወታደራዊ መንግስቲ ግልበጣ ከምዝተፈጸመ ፀብፃባት የመላክቱ ። «ናብ ስልጣን ዝመፀ ወታደራዊ ሓይሊ ብሓትጽር ጊዜ ስልጣ ንዝሓሸ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣረኪቡ ናብ ወታደራዊ ካምፕ ከምዝምለስ ዕላዊ ገሩሎ።