lør. nov 22nd, 2025

ኣሜሪካ ምስ ኬንያ ዞባዊ ጸጥታ፣ ግብረሽበራን ዓመጽን ንምምካት ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ፈሪማ።

ብመሰረት ኣብ ሃገራዊ ፕረስ ዝወጸ ጸብጻባት፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ሚኒስተር ምክልኻል ኣደን ባረ ዱኣለን ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ክልተኣዊ ርክብ ኣካይዱ።

ድሕሪ እቲ ዝርርብ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዞባዊ ምርግጋእን መኸተ ኣንጻር ግብረሽበራን ዝምልከት ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ተፈሪሙ።

በቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኬንያን ዝነበረ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ተጠናኺሩ ኣብ መኸተ ኣንጻር ግብረሽበራዊ ውድብ ኣልሸባብ ክተሓባበሩ ውሳነ ተዋሂቡ።

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገበሮ ዑደት ኣብ ጅቡቲን ኬንያን ዝተፈላለየ ርክባት ዘካየደ ኦስቲን ኣብ መወዳእታ ናብ ኣንጎላ ክበጽሕ እዩ።

ኦስቲን ኣብ ወተሃደራዊ ዓውዲን ዞባዊ ጸጥታን ምክልኻልን ዝያዳ ምትሕብባር ብዝብል ዕላማ ርክባት የካይድ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኦስቲን ምስ መንግስቲ ናይሮቢ ተሰማሚዑ ነታ ናብ ሃይቲ ወተሃደራት ከተዋፍር ትሓስብ ዝነበረት ኬንያ ጸጋታትን ደገፍን ክህብ ተሰማሚዑ።