lør. nov 22nd, 2025
እቲ ቀይሕ ቦታ ማይ ምፍላሕ አገዳስነት ዝምልከቶም ቦታታት የሪእ ይ:- ካርታ - Oslo Kommune
Oslo kommune -kart

ካብ ሎሚ ሰንበት ሰዓት 12 ቀትሪ ጀሚሩ፡ አብ ዝተወሰና ናይ  ኦስሎ ከባቢታት ማለትም ሮኣ፡ ቦግስታድ፡ ቮክሰን ስኮግ፡ ሚድስትዩን፡ ቬታኮለን፡ ቮክሰናሰን፡ ሆልመንኮለንን ትሪቫንን ተዋሂቡ ዝነበረ ናይ ምይ ምፍላህ ምክረሃሳብ ደው ኢሉ።

ሕጂ አብተን ዝተጠቀሳ ቦታታት ዝስተ ማይ ምፍላሕ ውሳነ  እቱ ማይ ውሑስ ምዃኑ ስለትረጋገፀ ጠጠው ከምዝተገበረ  ምምሕዳር ከተማ ኦስሎ ሓቢሩሎ ።

ነበርቲ እዞም ከባቢታት ካብ ረቡዕ 20 መስከረም ጀሚሮም ዝስተ ማይኦም ከፍልሑ እቱ ንይ ከተማ ምምሕዳር ተማሕጺኑ ነይሩ። ኣብ ባሩም ዝርከባ  ዝተወሰና ከባቢታት እውን ዘይተፈለኸ ማይ ክሰትዩ ከምዝክእሉ ተገልፁሎ።

ምንጪ: https://www.dagsavisen.no/oslo/nyheter/2023/09/24/kokeanbefaling-for-flere-omrader-vest-i-oslo-opphorer/