Paz. Haz 23rd, 2024

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ናይ ድርቂን ውሕጅን ፀገም ኣብ ድንሽ ምርቲ ዓብይ ፀለዋ ስለዘብፀኸ ብምኽንያት እዚ ድማ ናይ ድንሽ ኣቀርቦት ኣብ ኖርወይ ካብዚ ሰሞኡን ጀሚሩ ባዶ ከምዝኸውን ተገልጹ።

ከም መፍትኺ ድማ ካብ ወጻኢ ንዝኣቱ ድንሽ ዝኽፈል ዝነበረ ታሪፍ ንዝተወሰነ ጊዜ ጠጠው ክግበር ብዳይረክቶሬት ሕርሻ ኖርወይ ተወሲኑሎ። ናይ ኖርወይ ጉምሩክ ድማ እቲ ውሳነ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ተግባራዊ ክገብ ትፅቢት ተጌሩሎ።

እዚ ዉሳነ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ቀይ ሽጉርቲ እውን ይምልከት ።

ምንጪ:- https://www.vg.no/nyheter/innenriks/i/4BdjWe/tomt-for-norske-poteter-denne-uken