Sal. Eyl 10th, 2024

ቆልዑት ንምርካብ ሓገዝ ዝደልዩ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኖርወይ ቁጽሪ ብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብዕጽፊ ወሲኹሎ እናበዝኸውን ይመፅሎ። ሓድሽ ኣሃዛት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2021 ዳርጋ 3000 ህጻናት ብሕክምና ሓገዝ ተወሊደን እዮም።

ናይ ገዛውንቲ ዋጋ ምውሳሕ ብዓንፃሩ ናይ ምውላድን ቤተሰብ ምምስራት ድልየትን ክቅንስ ኣስተዋፅኦ ይገብር ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተወለዳ ናይ ህፃውንቲ ብጣዕሚ ቁጽሪ ብኖርወይ ታሪክ ብጣዕሚ ዝተሓተ ምኻኑ ፀብፃብ ቢሮ ስታቲስቲክስ ኖርወይ የርእይ።

ናይ ኖርወይ ህብረተሰናዊ ጥዕና ኢንስቲትዩት (FHI) ፕሮፌሰርን ዝኾነ ቬጋርድ ስኪርቤክ፡ ከምዝበሎ መጠን ውልደት ኖርወይ ምስ ዋጋ ገዛውንቲ ዝተተሓዘ ምኻኑ ከምዝኣምን ሰባት ድማ ቅድሚ ውላድ ምውላዶም ንባዕሎም ክኽእሉ ንስድራ ዝኸውን ትኽክለኛ ገዛ ክሕልዎም ድልየት ኣለዎም ይብል። ብዙሓት ሰባት ኣዝዮም ነዊሕ ጊዜ ይጽበዩ ኣሎዉ።

ምንጪ :-https://www.tv2.no/nyheter/innenriks/forsker-boligpriser-pavirker-antallet-fodsler/16229105/