ሚኒስትሪ ጥዕና ኖርወይ፡ Covid-19 ካብ ሎመዓልቲ ጀሚሩ ንህዝቢ ሓደገኛ ዝኾነ ሕማም ኣይኮነይ ብማለት ብጥዕና ሚኒስተር ኢንግቪልድ ሸርኮል ኣቢሉ ኣፍሊጡ።
ስለዝኾነም Covid-19 ካብ ዝርዝር ሓደገኛ ተሓላላፋይ ሕማማት ከምዝተሰረዘን ከሙውን ካብ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ኣብ ስራሕ ውዒሉ ዝነበረ ኮረና ንምክልኻል ዘሕግዙ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ዝሓዘ ናይ ኮሮና ህግ ኣድላይ ከምዘይኾነ እታ ሚንስተር ገሊፃላ።