ካብ ሓሙሽተ ኖርወጃውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ብዙሕ ሕማም ዝቀንሱ ታብለሌታት ዝወስዱ ምኻኖም እቱ ኣጠቃቀማ ድማ ብጣዕሚ ይውስኽ ከምዘሎ ስካርስተይን፡ ዝተበሃለት ተመራማሪት ገሊፃ። ብዝሓት ምቾት ዘይስምኦም ፣ ናይ ድቃስ ፀገም ዘለዎም ፣ ከምኡውን ዝጭነቃ ሕማም ዝቀንሱ ታብለሌታት ምውሳዱ፣ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ልሙድ ምዃኑ እቱ መጽናዕቲ የርእይ።
መዓልታዊ ወይ ኣብ ሰሙን ብዙሕ ግዜ መቀነሲ ቃንዛ ምጥቃም ነቲ ፀገም ንተወሰነ ጊዜ ይቅንሶ እምበር ሕማም ኣየጥፍን። ምስ ግዜ እቶም መድሃኒታት ኣብ ከብዲ፡ መዓንጣ፡ ኩሊትን ጎናዊ ሳዕቤታት ክሕልዎም፡ ስለዝኽእል ፣ ምጥንቃቅ አገዳሲ እዩ ብማለት ስካርስተይን ምክረ ሓሳብ ሒባላ።