Paz. May 18th, 2025

Høyre ፣ ናይ ኖርወይ ዓባይ ተንሓናሒ ውድብ፣ ናይ ግብሪ መጠን ብ9.5 ቢልዮን ክሮነር ክቕንስ ኣማራጺ ኢሉ ብዘቅረቦ ባጀት ዕላዊ ጌሩ። እቱ ሓሳብ ድማ ውልቀሰባትን ትካላት ዝኽፈሉዎ ዝነበር ግብሪ ዝቅንስን ዝጠቅምን እዩ ይብል እቱ ውድብ።

እቲ እማመ ባጀት፡ ክሳብ 827 ሽሕ ክሮነር ከም መሃያ ዝረኽቡ ሰባት ዝበጽሖም ዓመታዊ ኣታዊ ብ 3,300 ክሮነር ክውስሕ ዝገብርን ከምኡውን ኸዚ ንኖርወይ ዘመሓዳድር መንግስቲ ስቶር ወሲሑዎ ዝነበረ ናይ ቖፃራይ ግብር ጠጠው ምግባር ዘጠቃልል እዩ።

ማዕረ ማዕሪኡ እቲ እማመ ባጀት ንመጻሕፍቲ ዝግበር ዝነበረ ናይ ቫት ምስራዝ ጠጠው ዘብል ንኣባልነት ማሕበራት ሰራሕተኛታት ተባሂሉ ዝቕነስ ዝነበረ ወፃኢ ናብ ሶልበርግ መንግስቲ ዝነበረሉ ደረጃ ዘውርድ ምኻኑ እዩ እቱ ውድብ ሓብሩ።

ምንጪ :- https://direkte.vg.no/nyhetsdognet/news/hoeyre-foreslaar-skattekutt-paa-95-milliarder-kroner-neste-aar.8xmvecFQ7?utm_source=vgfront&utm_content=hovedlopet_row4_pos1&utm_medium=dre-655f4d83540a96009bb4e58c